Tuesday, September 11, 2007

ጽልኢ ኣይነሳውር

ጽልኢ ኣይነሳውር


ብ ዓሊ ቶቲል(ወዲ ጊንዳዕ)


ኣብ ዝሓለፈ ዉሑዳት ማዓልታት ኣብ ገለ ወብሳይታት ከም ዝታዓዘብናዮ ን ኣቶ ይስሓቕ በሽር ዝምልከት ነቐፈታ ሓዘል ፅሑፋት ታዓዚብና.ንገለ ካብ ኣምር ምትእርራም ወፅዮም ናብ ነጋራት ኣብ ምስዋር ዘድሃቡ ፁሑፋት ዝዘርግሑ ወገናት ከማሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ኢንተህልዩ ኪኣ ንነጋራት ካብቲ ዝግቦኦም ንላዕሊ ሚዛን ሂብና ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ዘሰጉምና ተግባራት ነዝውትር ንድሕሪት መሊሶም ኩጎቱና ዝኽእሉ ሕማቅ ስእልታት ንህዝብና ከንቕርብ ጊዜ ዘይጠልቦ ጉዳይ ኮይኑ ይስማዓኒ.



እዚ ክብል ከለኹ ንዘረባ ኣቶ በሽር ብምዳጋፍ ዘይኮነ ንከምዚኣኦም ዝበሉ ወገናት ካብቲ ተሸሚሞሙሉ ዘለዉ ናይ ጸቢብ ኣትሓሳስባ ከንውጽኦም ብኩልንትናና ክንጽዕር ይግባእ ባሃላይ ኢየ. ኩሉ ፉጡር ብናቱ ሞቦቖል ዝኾርዕን ናቱ መንነት ኣቒቡ ክኸይድ ይደሊን,ዘይሰማምዕ ነጥቢ ግን "ንሕና" ዝብል ናይ ዕብለላ ሐደ ነቲ ሓደ ክረኣ ከሎ ኢዩ.ናኣብነት ኣብ ርዋንዳ ዝተግብረ ጃምላዊ ቕትለት ቱትሲ ብሁቱ መብገሲኣኡ ጽልኢ ናይ ሁቱ ኣብ ልዕሊ ቱትሲ ኢዩ.ከሙኡው'ን ኣብ ቦዝንያ ዝተኻየደ ጃምልዊ ህልቒት ናይ ሙስሊም መብገሲኡ ተማሳሳሊ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዝጸንሐ ዱጉል ፅልኢ ናይ ሰርብ ኢዩ.

ኣብ ዚ ጊዜ እዚ ኤርትራ ኣብ ዲክታቶራዊ ዝኾነ ስርዓት ወዲቓ ኣብ ትረከብሉ ዘላ ጊዜ ህዝቢ ብሰንኪ እዚ ስርዓት ሰላምን ርግኣትን ሲኢኑሉ ኣብ ዘሎ ጊዘ ንሕና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣለና እንብል ሰባት ዕድመ ናይ ዲክታቶር ኣብ ምንዋሕ እንግብሮ ዘለና ጻዕሪ ኣዝዩ ዘስደምም ኢዩ.ብከምዚ ዓይነት ዱጉል ዕሉልን ዕላማታት ተበጊስካ ኸ ዓወት ናይ መን ኮን ይክውን ዝድለ ዘሎ? ከም ኣብ ጎረባብቲ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ብቐቢላን ብሃይማኖትን ዝሰረቱ መንግስቲ ክንተክል ድዩ ኢቲ ኣጀናዳ? መን ኣብ ልዕሊ መን ኢዩ ክኽውን ዝደሊ?



ንጹህ ዝኽነ ፖሊቲካዊ ድለት ክሳብ ዘይሃለወና ምትእምማን ኣብ ነንሕድሕድና ክሳብ ዘይሃልወና ሓድነትና ኣትሪርና ክሳብ ዘይተቃለስና ዕድመ ዲክታቶር ዘናውሑ ተቓወምቲ ትርግታ ልቢ ህዝቦም ዘይስተውዕሉ ተቓወምቲ ኮይና ኢና ክንተርፍ.ስለዚ ንስመር ምስ ህዝብና ንጉዓዝ ንህዝባና ንምሰል ፈላላይ ዝኮነ ኣጀናዳ ፡ሓሳባት ነወግድ.

No comments: