መን’ዩ መንሽሮ ሃገር
ዓሊ ቶቲል(ወዲ ጊንዳዕ)
ምስ ገለ ኣሕዋት ደቂ ሃገር ብዛዕባ ኩነታት ሃገርና ኣልዒልና ኣብ ንዝትየሉ ዝንበርና እዋን፡ንናይ ሃገርና ኩነታት ኩልና ሓደ ፍሹል መንግስቲ ሒዝና ንጉዓዝ ከም ዘለና ኣስሚርናሉ፡ኣብ ፖለቲካዊ፡ማሕበራዊ፡ኢኮኖምያዊ ኩነታት፡፡እንተኾነ መን’ዩ ናይ ዚ ዘለናዮ ኩነታት ተሓታቲ ወይ ኣየናይ ኣካል’ዩ ተሓታቲ? ኣብ ዝብል ዝተፋላለየ ርእይቶት ኔሩ፡ንገለ ካብ’ኡ ብሕጽር ዝበለ ንተዓዘብ፡፡
ሓደ ካባና ናይ ሃገር መሪሕነት ሓደ ኣበር የብሉን ባሃላይ’ዩ፡መርትዑኡ እንከቕርብ ድማ፡ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዘለዉ ኣካላት ካብ ሜዳ ኣትሒዞም ዝኽተልዎ ፖሊሲ፡ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዕባለን፡ሓድነትን ብጉቡእ ዝሕሉን ሃገርውነት ዘቕደመ፡ ን ህዝቢ ዉፉይ ዝኾነ መሪሕነት ምኾኑን እንተኾነ ኣብ ማእከላይ ጽፍሒ ዝርከቡ ናይ ኢ.ሰ.ፓ ኣባላት ነበርን ኣብ ዉልቃዊ ጥቕሞም ዝተቖማጥዑ ተጋድልትን’ዮም ቀንዲ መንቅብ ሃገር ክብል ይጠቅስ።
ካልኣይ ርእይቶ ወሃቢ፡መሪሕነት ተኽሳሲ ይብል።ምኽንያቱ ኩሉ ናይ ሃገር ዝዓበየን ዝናኣሰን ጉዳያት በዚ ጉጅለ እዚ ተነዲፉን ተማእዚዙን ዝኽይድ ክሳብ ዝኮነ እዛ ጭፍራ እዚ’ኣ ተሓታቲት ናይ ዚ ህሞት እዚ’ያ ይብል።
ሳልሳይ ርእይቶ ወሃቢ፡ናይ ኣተሓሳስባን ጋግን ዕድመን ዝፈጠሮ ቅልውላው’ዩ ዘለና በሃላይ’ዩ።ኣብ ዉሽጢ ሃገር ይኹን ወጻኢ ዉሑዳት ዘይኮኑ ብኣውራጃውን,ቀቢላውን, ሃይማኖታውን ኣተሓሳስባ ተቀይዶም ነዚ ንምትግባር ህርድግ ኣብ ዝብልሉ እዋን ማሕበራውን ፖለቲካውን ኣሰራቱ ጎሊሑ ይርኣ፡ኣብ ናይ ዕድመ ምስ እንርኢው’ን መብዛሕቶም ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ዝነጥፉ ዘለዉ መንእሰያት 60’ታት’ዮም፡ ካብዚ’ኦም ብቁጽሪ ዘይዉሑዳት ምንጪ ናይ ከፋፋሊ ኣባሃህላታትን ተግባራትን ዝርከብ ዘሎ፡ ስለዚ እዚኦም ማሕለኻ ሃገር ኮይኖም ዘለው ይብል።
እቲ ክትዕ ካብ’ዚ ኣብ ጽሁፍ ቐሪቡ ዘሎ ዕሙቕ ይብል፡ ብሓፈሻ ግን ነዚ ይመስል፡ከም ሓደ ዜጋ ንርእይቶኦም ርእይቶ ክህብ ምስ ዝመርጽ፡ኩሎም ኣብ ሓቂ ዘለዉ ኮይኑ ይስማዓኒ፡ቀዳማይ ወሃቢ ርእይቶ ዝበሎ ኣብ ማእከላይ ጽፍሒ ዝጥቅን ክሱ፡ካልኣይ ዘስዓቦ ጉጅለ 1 ተሓታቲ ዝገብር ዘረብኡ፡ሳልሳይ ዘስዓቦ ፈላላይ ኣታሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ሰረት ኩሉ ድሕሪት ዝጎትት ኣተሓሳስባ መንሽሮ ሃገር ዝገበረ ርእይቶ ኩሎም ኣብ ዚ ዘለናዮ ህሞት ዘውዱቕና’ዮም።ኣብ ዉሽጢ ሃገር ሓታትን ተሓታትን ኣብ ዘይብሉ ፍታሕ ክህሉ ምጽባይ የዋህነት’ዩ።”ፍትሒ ኣብ ዘይብሉ ሓዳር ፍትሕ ፍታሕ’ዩ” ዝብል ጥቕሲ መልሲ ይመስል።ኣብ ደገ ዘሎ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ናይ ኣተሓሳስባ መሰረት ጌሩ ዝተበገሰ ሓይሊ፡ “ተጎራሪሕና ሃገር ነዕኑ ተዓሻሺና ሃገር ነድሕን” ዝብል ጥቅሲ ምስ ሕድገታት፡ሕልና ተደሚሩ ነቲ ዝድለ ዘሎ ፍትሕ መቃላጠፊ ሞኾነ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ።
ዓሊ ቶቲል(ወዲ ጊንዳዕ)
Sunday, September 9, 2007
Subscribe to:
Post Comments (Atom)
No comments:
Post a Comment